ማንካን ጀሎን
ማንካ ንጀሎ፤
"ስማዕ ‘ስኪ…" በሎ፡
"ፈሪሕኻ ዲኻ?
"ሕደግ አይዞኻ!
" ‘ንታይ ቀጥ-ቀጥ
"የብለካ ‘ሎ?"
ጀሎ ንማንካ፤
"አውርደኒ ካብ ዝባንካ፡
" ‘ስጋኻ ዘይበልዐካ…’
"ዝበልካ፡ ሓሲኻዶ ‘ማንካ?
"ሕደግ የትጻቐጥ!
"ኢዶእ! በልዐኒ-ንካ!"
ገ/ኢ ጐረፉ።